What do you think?

ኤርትራ: ኣብ መቑሕ ምሕደራ መላኺ
ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ገጻት ሃገርና ኣተኲሮም ዝተጻሕፉ መጽሓፍቲ፡ ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ኣብ ርእሲዚ፡ ብኻልእ ቋንቋ ተጻሒፎም ንኤርትራዊ ኣንባቢ ክበጽሑ ዘይከኣሉ፡ ኣብ ዛዕባታት ሃገርና ዘተኮሩ ኣገደስቲ መጻሕፍቲ እውን ብቑጽሪ ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ዘሎ ርኡይ ሕጽረት ሓበሬታ፡ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ደይመደይ ኢሉ ዝነጥፈሉ ምስጢራዊ ኣካይዳታት ተደሚሩ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ንቕሓት ህዝብና ፈጢሩዎ ዘሎ ሃጓፍ ዓቢ ሙኻኑ ማንም ርትዓዊ ሰብ ዝግንዘቦ ሓቂ እዩ። ኣብ ኣንባቢ ትግርኛ ዝኾነ ህዝብና ዘሎ ናይ ሓበሬታ ጋግ ኣብ ምጽባብ፡ ናይ ባዕላ ኣስተዋጽኦ ክህልዋ ይኽእል እዩ፡ ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊሰ እየ እምበኣር፡ ነዛ መጽሓፍ ንኽትርጉም ዝተተባባዕኩ። እዛ መጽሓፍ፡ ትርጉም ናይታ ብቋንቋ እንግሊዘኛ፡ ብማርቲን ፕላውት፡ ኣብ 2016፡ “Understanding Eritrea; inside Africa’s most repressive state” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ እያ።
እዛ መጽሓፍ፡ ብዙሓት ዘይተነግሩ ወይ ብግልጺ ዘይዝረበሎም፡ ግን ከኣ ከም ነጥበ-መቐይሮ ክግለጹ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ታሪኻውያን ኣጋጣሚታት ምስ መወከሲታቶም እተቕርብ ኣገዳሲት መጽሓፍ እያ። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ፡ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ዝድህስሱ መጽሓፍቲ ኣብ ርእሲ ምውሓዶም፡ መብዛሕትኦም ክሳብ ግዜ ናጽነት (1991) ዘሎ ግዜ ጥራይ ዝሽፍኑ እዮም። ካብ 1991 ክሳብ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ዘሎ 30 ዓመታት ግን፡ ዓበይቲ ታሪኽውን ማሕበራውን ጽልዋታት ዝነበሮም ፍጻሜታት ተኸሲቶም ክንሶም፡ ኣብ ምስናዶምን ምትንታኖምን ዝተገብረ ጻዕሪ ግን ኣመና ውሑድ እዩ። ኣገዳስነትን ጽልዋን ናይዞም ታሪኻውያን ፍጻሜታት ካብዚ ዘለናዮ ግዜ ጀሚርካ ኣብ ዝመጽእ ወለዶታት ሃገርናን ሕብረተሰናን ዝንጸባረቕ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ብመልክዕ መጽሓፍ ተዳልዩ ናብ ህዝቢ ክበጽሕን፡ ኣንባቢ ድማ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ጠሚቱ፡ ክመሃረሉን ክካታዓሉን ዘኽእል ባይታ ምጥጣሕ ግቡእ ይምስለኒ። እዛ መጽሓፍ ድማ ነዚ ንምትግባር ኣብነታዊ ተራ ክህልዋ ከምዝኽእል ጥርጥር የብለይን። እዛ መጽሓፍ’ዚኣ፡ ነቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሃገርና ዝተራእየ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊን ቁጠባውን ህይወት ኤርትራውያን ብፍልይ ዝበለ መልክዕ እትድህስስ ኮይና፡ ንዝተፈላለዩ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ብምጥማት፡ ስለምንታይን ብኸመይን ከምእተፈጸሙን ዘኸተልዎ ሳዕቤናትን ብዝርዝር እተብርህ መጽሓፍ እያ።

275 pages, Paperback
Published December 21, 2021
Ratings & Reviews
Friends & Following
Create a free account to discover what your friends think of this book!
Community Reviews
No one has reviewed this book yet.